ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ “ድሕነት ህዝብን ሃገራን ብሓድነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይልታት ዝረጋገጽ ማእከላይ ዕላማ’ዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ራብዓይ ውድባዊ ጉባኤኡ ካብ 21 ክሳብ 26 ለካቲት 2014 ዓ/ም/ ኣሰላሰ።
መኽፈቲ ውዕሎ ጉባኤ ብቃል ኣሰናዳኢት ሽማግለን፣ ቃል ኣቦ መንበር ስክረታርያ ማእከላይ ባይቶን፣ ቃል ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካልን ተጀሚሩ። ቀጺሉ ናይ ምሕዝነታዊ ቃል ኣቦ መንበር ላዕለዋይ ሓባራዊ መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ልፍንትን፣ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገርን፣ ከምኡ’ውን ካብ ፖለቲካውን በርጌሳውን መሓዙት ሓይልታትን ሃገራውያን ባእታታትን ምሕዝነታዊ መልእኽእትታት ብተኸታታሊ ቀሪቡ። ድሕሪኡን ኣብ ዝቐጸሉ ዉዕሎታቱን፡ ጉባኤ ጸብጻባት መሪሕነታዊ ኣካላት ሰፊሕ ምይይጣት ብምክያድ ኣጽደቐ።
ጉባኤ፡ ኣብ ውድባዊ ሰነዳት ዘካየዶም ምይይጥ ምርኩስ ብምግባር፡ ከከም ኩነታቱ ውድባዊ ትካላትን መሪሕነታዊ ኣካላትን፡ ዘድምዕን፡ ክተዓጻጸፍ ዘኽእልን፡ ናይ ትካላት ቁጺጽር ኣድማዕነት ኣሰራርሓ ዘውሕስን፡ ኣገደስቲ ምምሕያሻት ኣብ ህንጻ – ሕገ ኣተኣታተወ።
ጉባኤ፡ ኤርትራዊ ተቓውሞ ሓይልታት ዘሕልፎ ዘሎ ተሃዋሲ ውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት ብዕምቀት ብምርኣይ፡ ማእከላይ ሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማ ንምርግጋጽ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ህልው ብድሆታት ንምግጣም፡ ቅድሚ ዝኣገረ ሕድሕድ ገድላዊ ምትሕብባር ምዝያድን፡ ኣብ ዝተሓተ ስምምዕ ዘትከለ ኩሉ ዓቕሚታቶም ኣንጻር ሓባራዊ ጸላኢ ምቅናዕን፡ ህጹጽ መድረኻዊ ጠለብ ምዃኑ ኣረጋገጸ። ማእከላይ ሃገራዊ ዕላማ ድማ፡ ሰላምን ምርግጋእን ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምቕያርን፣ ኣምስይኡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብምትካል፣ ኣብ ሃገርና ፍትሕን ምዕሩይ ልምዓትን ዘውሕስ ጥዑይ ሃዋሁ ምስፋንን ምዃኑ ኣረጋገጸ።
ጉባኤ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብስም” በርጌድ ንሓመዱ” ናይ ዝነጥፍ ዘሎ መንእሰያዊ ምንቅስቓስ ባህርያት ዕላማኡን ጭርሖታቱን ብንጹር ንምፍላጥ፡ ዕቱብ መጽናዕቲ ምክያድ ኣገዳሲ ምዃኑ ረኣየ። ከምኡ’ውን ምስኡ ዝግበር ርኽክባት፡ ኣብ ሃገራዊ መስመር ብዝህልዎ እምነትን ምእዙዝነትን፣ ማሕበራውን፣ ሃይማኖታውን፣ ባህላውን ብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራን፣ ከምኡ’ውን ታሪኽ ሃገራዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ሓይልታቱን ምኽባርን፣ ሓድነትን ልዑላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ምእማንን ኣብ ዝብሉ መረገጻት ዘትከለ ክኸውን ከም ዝግባእ ኣረጋገጸ። ብተወሳኺ ድማ፡ ናይ’ተን ዝነጣጠፈለን ሃገራት ሕግታት ምኽባር ኣብ ግምት ዘእትው’ውን ክኸውን ይግባእ።
ጉባኤ፡ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ፣ ወይ’ውን በርጌሳዊ ሓይሊ፡ ነዚ ሃገራዊ መትከላት’ዚ ዝትንክፍ ወይ’ውን ዝጻባእ እንተዳኣ ኮይኑ፡ ኣብ መጻኢ፡ ኣብ ልዕሊ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ክህልዎ ዝኽእል ሓደጋታት ብምስትውዓል፡ ብኣግኡ ብጽንዓት ክምከትን፣ በታኒ ኣረኣእያኡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ንክቃላዕን ይግባእ።
ገባቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፣ ኣንጊሁ ዓትዒቱ ዝሓዞ ዓፈናዊ ፖሊሲታትን፣ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ሕሰም ክነበር ዝገበረን፡ ህዝቢ ኤርትራ ውልቃውን ሓባራውን ሓርነታቱን ሰብኣዊ መሰላቱን ተሓሪሙ፡ ናብራኡ ሚሕር ተጎሳቊሉን ይርከብ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ውሽጣዊ ጉዳያት ኢዱ ብምትእትታው፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራት ክህልዎ ዝኽእል ዝነበረ ሕድሕዳዊ ልውውጥ ረብሓታት ዝፈቅድ ሕግታት ብምብኳርን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራትን ጥዑይ ዝምድና ንምስፋን ዝምድምድ ጥጡሕ ዕድል ኣይገደፈን። እዚ ካኣ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ርኽክባትን ሕድሕዳዊ ቁጠባዊ ረብሓታትን ህዝቢታት ጎረባብቲ ሃገራት ከቢድ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣንቢሩ ይርከብ። ብስንኪ’ዚ ግጉይ ፖሊሲ’ዚ፡ ህዝብና ናይ’ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኽተሎ ውጡር ዝምድናታት ጆሆ ክተሓዝ’ውን ኮይኑ ኣሎ። ንገለ ካብ ስርዓታት ጎረባብቲ ሃገራት፡ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነቱ ዘካየዶ ናጽነታዊ ቃልሲ ዘነኣእስን፡ ልዑላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ዝትንክፍን፡ ኣስፋሕፋሒ ኣተሓሳስባ ብግህዶ የጋውሕ ኣሎ።
እዚ ኩነታት’ዚ ኣብ ኤርትራ ከም ዘሎዎ እንተ ዳኣ ቐጺሉ፡ ህላወ ህዝብና ንሓደጋ ክሳጣሕን፣ ስቅያቱ ኣብ ኩሉ መዳያት እምብዛ ከዛይድን’ዩ ዝኸውን። ስለ’ዚ ህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ተቓውሞ ሓይልታቱን፡ ሃገራዊ ልዑላውንት ንምሕላውን ናጽንት ንምዕቃብን፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብስሙር ቅልጽምን ብኣድማዒ ሱታፌን ካብ ዝሓለፉ ጊዜታት ንላዕሊ፡ ሎሚ’ዩ ህጹጽ እዋኑ።
ጉባኤ፡ ኣብ መንጎ ውድባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ልፍንቲ፡ ሓደ ውድብ ምህናጽ ዝዕላማኡ ስምምዕ መጒሱ። ንሓዳስ መርሒነት ካኣ መስርሕ ሓድነት ንምዝዛም ሓላፍነት ኣሰከመ። ብተወሳኺ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ካልኦት ሓይልታት ተቓውሞን ሓባራዊ ሃገራዊ ዕዮ ንምዕዛዝ ክሰርሑ ጸዊዑ።
ጉባኤ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓድሕደን ይኹን ኣብ ወውሽጠን ዘሕልፋኦ ዘሎዋ ቅልውላው ርእዩ። ኣብ ርእሲኡ ካኣ፡ ኣብ መንጎ ሓያላን ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጽልዋታተን ንምዕዛዝ ዝካየድ ዘሎ ቅሩቁሳት፡ ምርግጋእ ሃገራት ዞባናን ረብሓታተንን ዝህድድ ምዃኑ ተመልከተ።
ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ እትሕልፎ ዘላ ውሽጣዊ ግጭታት፡ ብሕልፊ ድማ ብድሕሪ ውግእ ትግራይ፡ ብሄር ተኲር ውሽጣዊ ግጭታት በብከባቢኡ ብምስፍሕፋሕ፡ ኣብ ልዕሊ ሓድነት ኢትዮጵያ ዘንጸላለወ ኣጠቓላሊ ሓደጋ’ዩ። ብስሩ እዚ ሕዱርን ሓዲሽን ቅልውላው’ዚ፡ እኩብ ድምር ታሪኻዊ ውጺእት ቀዳሞትን ዳሕረዎትን ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያን ዝተኸተሉዎ ጎባጥን፣ ዓብላልን፣ ኣግላልን ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ኢዩ። ሕጂ’ውን እንተኾነ ልሂቃን ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጣዊ ዝምድናታት ኢትዮጵያ ይኹን፣ ወይ’ውን ኣብ ግዳማዊ ዝምድናታታ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ኤርትራ፡ ካብ’ዚ ኣስፋሕፋሒ ኣተሓሳስባ’ዚ ዛጊት ኣይተላቀቑን።
እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ብቐንዱ ንኢትዮጵያ፡ ብኡ ንብኡ ድማ ንዞባና፡ ኣብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ገዚፍን ሓደጋ ዝዝፍዝፍ’ዩ። ጉባኤ፡ ኢትዮጵያውን ልሂቃን ንሃገራዊ ልዑላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ዝግህስ ፕሮፓጋንዳ ኣብ ምንዛሕ ካብ ምውፋር ክቊጠቡ ኣትሪሩ የማሕጽን። ኣብ መንጎ ክልቴአን ኣሓት ሃገራት ዝስረት ጥዑይ ክልቴኣዊ ዝምድና፡ ናይ ነፍስ ወከፍ ሃገር ልዑላውነት፣ ሓባራዊ ረብሓታትን ኣብ ምኽባርን፡ ኣብ ናይ ካልኦት ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድ ዘይምእታውን ዝምስረት እንተኾይኑ ጥራይ’ዩ።
ሱዳን ሽሕ’ኳ ከም’ተን ካልኦት ጎረባብቱ ሃገራት ብውሽጣዊ ግጭታት ይሳቀ እንተ ነበረ፡ ንነዊሕ ዘመናት ንብዙሓት ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ እንተላይ ንህዝቢ ኤርትራ፣ ውሑስ መዕቆብን መጽለለን ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ። ጉባኤ፡ ፖለቲካዊ፣ ወተሃደራውን በርጌሳዊ ሓይልታት ሱዳን፡ ነዚ ህልው ጽንኩር ኩነታት’ዚ ንምስጋርን፣ ሓድነት ሱዳን ንምዕቃብን፡ ደማዊ ኲናት ደው ምባልን፡ ግርጭታቶም ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ሃገራዊ ዘተ ንኸካይዱ ይጽውዕ። ብተወሳኺ ኣፍሪቃውን ዓረባውን ጎረባብቲ ሃገራት፡ ነፍሰን ካብ ኣሉታዊ ኢድ ኣእታውነት ብምርሓቅ፡ ንኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ሱዳን ናብ መኣዲ ዘተ ንምምጻእ ኣወንታዊ ግደአን ከበርክታ ራብዓይ ውድባዊ ጉባኤ ግሃድኤ ጸዊዑ። ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ሓው ህዝቢ ሱዳን ዓቃል ልቦና፡ ነዚ ህልው ሽግር’ዚ ንምስጋርን፡ ንሱዳን ከም ቀደሙ መጽለሊ ህዝቡን ህዝቢታት ከባቢኡን ክገብሮን ዓቢ ተስፋ ይገብር።
ጉባኤ፡ ብዛዕባ ሓብትና ዝኾነት ሃገረ ሱማል ብዝምልከት፣ ሓድነት መሬት ሶማልያን ክሕልው ዘለዉ ምዃኑ ብምእማን፡ ንሓድነት ልዑላውነት ሶማልን ዝትንክፍን ዘዳኽምን ዝኾነ ይኹን ግዳማዊ ኢድ ምትእትታው ነጺጉ።
ጉባኤ፡ ኣብ መንጎ ፈለስጤናውያንን እስራአልን ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብሓደ ሸንኽ፡ ኣብ መንጎ ራሻን ዩክረንን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ካኣ በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ልዕሊ ዝምድናታት ኣህጉራዊ ውድባትን ንዕኦም ዝቆጻጸሩ ኣህጉራዊ ስርዓታትን፣ ሕግታትን ውዕላትን ስምምዓትን፡፣ ሕጊታት፣ቃል–ኪዳናትን፣ ዝሰርዑ ስምምዓት ሓደጋ ዘንጸላልው ምዃኑ ይርእይ። ብተወሳኺ ካኣ፡ ብመሰረት ሰማያውን ኣህጉራውን ሕጋጋት፡ መሰላትን ፍትሕን ዝከፋፈሉ ብዘይምዃኖም፡ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ዓጸፈታ ድርብ ፖሊሲ ምውሳድ ግቡእ ከም ዘይኮነ ይርእይ።
ጉባኤ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ንምባል ተጽዒኖታቱ ከዛይድን፡ ንግጭት ፈለስጤምን እስራአልን ውዱእ መዕለቢ ንምርካብ፡ ኣህጉራዊ ሕግታት መሰረት ብምብጋር፣ ፍትሓዊ ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ክጽዕርን ይጽዊዕ።
ሓያላን ሃገራት ካብ ሓደ ክፍለ ዘበን ንላዕሊ ጸጋታት ውጹዓት ህዝቢታት ጓሕጒሐን’የን። ሕጂ ብዋጋ ድኹማት ህዝቢታት ዘካይዳኦ ግጭታት ናብ ዘይጽወር ደረጃ በጺሑ ይርከብ። ኣብ መላእ ዓለም ዋሕዚ ደም ብዘይ ምፍሳስን ብዘይ ቁሩጽራጽ ሬሳታት ጭቁናት ህዝቢታትን፡ ኣህጉራዊ ረብሓታተን ብሰላማዊ ኣገባብ ምርግጋጽ ከሓስባ ይግባእ።
ኣብ’ዚ ስነ–ፍልጠትን ተክኖሎጂን ኣዝዩ ኣብ ዝምዕብለሉ ዘሎ መዋእል’ዚ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዝረአ ዘሎ ምዝባዕ ክብሪታት ፍትሕን ማዕርነትን፡ ሰብኣዊ ክብሪታትን ስነ–ምግባርን ክንደ ኣየናይ ወዲቁ ምህላው ብግልጺ ዘጒልህ’ዩ። ከምኡ’ውን ዓብላልነት ሓያላን ሃገራት ዝገርሖ ሕልናን፡ ዝእድቦ ሕግን ብዘይብሉ መንገዲ፡ ሕጋጋት መሮር ብዋጋ ድኹማት ህዝቢታት ክንደ ኣየናይ ሳዕሪሩ ምህላዉ ዝገልጽ’ውን’ዩ።
ባህግና፡ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ኣፍራዪ ሕድሕድ ምትሕብባር ዝሰፈኖን፡ ህዝቢታት ብዘይ ዝኾነ ዓይነትን መልከዓትን ኣድልዎ ባህሪያዊ ጸጋታቶምን ኣብ በበይኑ መዳያት ዝኽሰት ዘሎ ተክኖሎጂያዊ ምዕባለታትን፡ ብፍትሓዊ ኣገባብ ንረብሓ መላእ ደቂ ሰባት ዝመራቓሓሉን፡ ንጥቅሚ መጻኢ ወለዶታት ብማዕረ ዘገልግልን፡ ኲናታት ዘይብሉ ዓለም ምርኣይ’ዩ።
ጉባኤ፡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ–ዓለም፡ ብሕልፊ ድማ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሕልፉዎ ዘሎዉ ጎስቋላ መነባብሮን ቐጻሊ ስቅያትን ብኣንኩሮ ተመልከተ። እቲ ዝበኣሰ ስቅያት ካኣ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተርእዮ ምዕጋት ኤርትራውያን እምቢዛ ሳዕሪሩ ምህላዉ ተመልከተ። ስለዝኾነ ድማ፡ ዶብ ኤርትራ–ትግራይ (ኢትዮጵያ) ሰጊሮም ዉሑስ መዕቆቢ ንምንዳይ ኣብ ክልል ትግራይ ዝኣትዉ ኤርትራውያን፡ ብደቂ ሰባት ዝነግዱ ሸፋቱ ኮንትሮባንዳታት እናተዓገቱ፡ ከም መልቀቒ ልዕሊ ዓቅሚ ቤተ ሰባቶም ዝኾነ ጋር–ነፍሲ ምክኽፋል ይግደዱ ብምህላዎም ሓቀኛ ስግኣቱ ገለጸ። ጉባኤ፡ ንጊዜያዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ነዚ ንሕውነታዊ ሰናይ ዝምድናታት ክልቴኡ ኣሕዋት ህዝቢታት ዝበላሹዉ ተግባራት ሸፋቱ ክገትኡዎም ይጽዊዕ።
ጉባኤ፡ ናይ ስደተኛታት ጉዳይ ዝምልከተን ኣህጉራዊ ውድባት፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ የመን፣ ሊብያን ካልእን፡ ሰቅያት ንምቅላል ኣድላዩ ደገፋት ክገብራ ይጽዊዕ።
ጉባኤ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክሕንግድን ኣብ ጎኒ ህዝቡን ምእንቲ ዲሞክራሲ፣ ፍትሕን ማዕርነትን ንምርግጋጽ ዝቃለሱ ሃገራዊ ሓይልታቱን ክውግንን ይጽዊዕ።
ጉባኤ፡ ሓድነታዊ መስርሕ ሃገራዊ ልፍንቲ ንቅድሚት ዝድርኽ፣ ምስ ተመሳሳሊ ድልየትን ፕሮግራምን ዝውኒና ካልኦት ሃገራዊ ሓይልታት ብተመሳሳሊ ሓድነታዊ መስርሕ ዘርሕውን ግደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘዐዝዝን ብርክት ዝበሉ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉ። ኣብ ርእሲኡ ካኣ፡ ውድባዊ ኣሰራርሓ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ዘማዕብሉ ውሳኔታት’ውን ኣሕለፈ።
ጉባኤ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ዉዕሎኡ፡ መጻኢ መድረኽ እትመሪሕ ሓዳስ መሪሕነት መረጸ።
ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!
ክብርን መጎስን ንስዉኣኣትና!!
ራብዓይ ጉባኤ
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
26 ለካቲት 2024